Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 20 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣሜሪካ ኣብ ዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 20 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ንኮቪድ19 ኣብ ዝግበር ማዕቐፍ ሓገዝን ድሕንነት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምርግጋፅን ኣብ ዝትግበሩ ፕሮጀክታት ከምዝተለቐቐ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ሓገዝ፥ ዓቕሚ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምጥንኻር ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ዘፈር ጥዕና ሕማማት ንምፍላይን ኣቐዲምካ ንምክልኻልን፣ ዓቕሚ ምርመራ ላብራቶሪ ምጥንኻር፣ ተበፃሕነት ክታበት ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ሓደጋ ምላሽ ናይ መሃብ ዓቕሚ ንምጥንኻር ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.