Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣተገባብራ ዝርገሐን ቁፅፅርን ኣፅዋራ ንኽትፍትሽ ቻይና ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ጦር መሳርሒ ብዝተዓጠቑ ሁውከት ፈጠርቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ዝፍፀሙዎ ተግባር ራዕዲ ንኽትቆፃፀርን ስጉምቲ ንኽትወስድን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዣኦ ሊጂያን ሓቲቶም፡፡

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ጦር መሳርሒታት ዝተተሓሓዙ ተግባራት ግብረ ራዕዲ እናተበኣኣሱ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ከም ኣብነት ድማ ኣብዚ ዓመት ብኣፅዋር ኣሜሪካ ብዝተፈፀሙ ተግባራት ራዕዲ 50 ሺሕ 569 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ 20 ሺሕን 726 ኣሜሪካውያን ምስ ጦር መሳርሒ ተተሓሒዙ ብዝተለዓለ ናዕቢን ግርግርን ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

ኣብ ኣሜሪካ ዜጋታት ጦር መሳርሒ ብቐሊሉ ዝዕድጉሉ ኩነታት ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣሜሪካ 4 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ህዝቢ ዓለም ትሕዝ ሃገር ከምዝኾነትን 46 ሚኢታዊ ዝኾኑ ማለት እውን 393 ሚሊየን ኣሜሪካውያን ጦር መሳርሒ ምዕጣቖም ንድሕንነት ዜጋታ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ እናተጋደደ ንዝመፅ ዘር ተኮር ፅንፈኝነትን ፅልኢትን መዕለቢ ንኽተዳለወሉን ድሕንነት ዜጋታታ ንምርግጋፅ ጥንኩር ደምቢ ቁፅፅር ኣፅዋር ክተውፅን ክትትግብርን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም ክብል ሺንዋ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.