Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ካብ ብራዚል ዝመፅኡ መንገደኛታት ከየኣትዉ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋሽንግተን ካብ ብራዚል ናብ አሜሪካ ኣብ ዝኣትዉ ናይ መፃኢ ሃገር ተጓዓዝቲ ማዕቐብ ኣንቢራ።

እቲ ማዕቐብ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዘየካትት እንትኸውን፥ ንዘሓለፉ 14 መዓልቲታት ኣብ ብራዚል ፀኒሖም ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትዉ ዜጋታት ወፃኢ ዝተነበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ብራዚል ኣብዚ ሕዚ እዋን ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ እናተስፋሕፈሐ ምምፅኡ ዝተነበረ ማዕቐብ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ዋሸንግተን ቅድሚ ሕዚ ንኢራን ሓዊሱ ካብ ኣባል ሃገራት ሕብረተ ኣውሮፓ ናብ ኣሜሪካ ዝመፅኡ መንገደኛታት ከየኣትዉዋ ማዕቐብ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ ብራዚል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቀረባ እዋናት ብዝለዓለ ብርኪ እናተስፋሕፈሐ እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ክሳብ ሕዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 22 ሺሕን 746 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.