Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋገኦም ናውቲታት ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋግኦም ናውቲታት መለማመዲን ካልኦትን ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባራ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ካልኦት ጉጅለ ኣሸበርቲን ክፈጥሩዎ ንዝኽእሉ ሓደጋ ንምምካት ዝድግፍ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ምስ ሚኒስቴር ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምትህብባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ኤምባሲ፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ሓደ ኣካል እቲ ምትሕብባር ኢዩ ኢሉ።
እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣምቡላንሳት፣ ላንድ ክሮዘር፣ ፀዓንቲ ነዳዲን ናውቲ ተሸከርከርቲን ከምኡ እውን ኣብ ፀልማት ኣጉሊሁ ዘርኢ መነፅር ከምዝርከቡዎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.