Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣማባሳደርን ቀዋሚት ልእኽቲ ኢትዮጵያ ቤልጂየም፣ ሉክሰምበርግ ትካላት ሕብረት ኣውሮፓ ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን።

እተን ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ውፍሪ ምኅባር ሕጊ፣ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መሰረተ ልምዓታት ፀጊንካ ናብ ስራሕ ምእታውን ብዛዓባ ጊዚያዊ ምምሕዳርን ዝምልከት መብርሂ ሂበን፡፡

ገበነኛታት ናብ ሕ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣካቢ ኮሚቴ ልምዓት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ቶማስ ቶቤ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ወሳኒት ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀፃሊ ንኽኸውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ፓርላማ ምክትል ኣካቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዊቶልድ ጃን ዋዥኮውስኪ ብግደኦም፥ ኣድላይነት ምርግጋግ ኢትዮጵያ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ካብ ኣገልግሎት ጉዳያት ወፃኢ፣ ኮሚሽን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ዝተውፃእፅ ኣባላት ተሳቲፎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.