Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ምስ ቀወምቲ መልእኽተኛታት ሕብረት ኣውሮፓ ጀርመንን ፈረንሳይን ተዛቲየን  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂየም ብራሰልስ ሂሩት ዘመነ ምስ ቀወምቲ መልእኽተኛታት ሕብረት ኣውሮፓ ጀርመንን ፈረንሳይን ተዛቲየን።

እተን ኣምባሳደር ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ዝገበርኡ ዘተ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

እወንታዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሪፎርም ፖለቲካን ኢኮኖሚን ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂበን።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ገድብ ህዳሰ ዝበፅሐሉ ብርኪ ብዝምልከት እውን ገለፃ ገይረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.