Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ምስ ኣካቢ ቦርድ ቤት ምኽሪ ንግዲ ፌዴሬሽን ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ምስ ኣካቢ ቦርድ ቤት ምኽሪ ንግዲ ፌዴሬሽን ስዑድ ዓረብ ኣጅላን ኣብዱልኣዚዝ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምስፍሕፋሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምጥንኻር ንምስፋሕ ኣብ ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ዘልዐሉ እንትኾኑ፥ ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብምድላው ልኡኻት ስዑድ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ኣካቢ ቦርድ እቲ ቤት ምኽሪ ኣጅላን ኣብዱላዚዝ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ስዑድ ዓረብ ከምኡ እውን ናብ ዕዳጋ ስዑድ ዓረብ ትልእኾ ዓቢዪ ፍርያት ወፃኢ ከምዝግንዘቡ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣብ ሪያድ ምድላው ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ክልተኣዊ ምትሕብባር ንግዲ ንምስፋሕ ስዑድ ዓረብ ሙሉእ ሓገዝ ከምትህብ ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.