Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ መንግስቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ኣፈፃፅምኡ ንምቅልጣፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ መንግስቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ኣፈፃፅምኡ ንምቅልጣፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ምስ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ጃፓን ኣምባሳደር ሳይዳ ሺኒቺ ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባ ዘቲዮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮፐያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ስምምዕነት ሰላምን ኢትዮጵያ ኣፈፃፅምኡ ነምቅልጣፍ ዘለዋ ቁርፀኝነትን ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ከይዲ እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ዝግበሩ ዘለዉ ስጉምቲታት ብዝምልከት እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላምን መዕባለን ንክተምርሕ ዘኽአል ኩለ መዳይ ብሄራዊ ኮሚሸን ልዝብ ምጥያሻ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሳይዳ ሺኒቺ ብግደኦም፥ ጃፓን ተፈፃምነት እቲ ስምምዕ ሰላምን እግሪ ምትካልን ዳግመ ሀንፀትን ስራሕቲ ከምእትድግፍ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.