Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ካናዳ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ካናዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን።

እተን ኣምባሳደር ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ካናዳ ዴቪድ ሞሪሰን፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ፀሓፊት ፓርላማ ሮብ ኦሊፋንትን ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ካናዳ ግዚያዊ ዳይሬክተር ጀነራል ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ቤት ሩቻርድሰንን ኢየን ተዛቲየን፡፡

እቲ ዘተ ድማ ብዋንኡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን፣ ግድብ ህዳሰን ሃገራዊ መረፃን ዘተኮረ ኢዩ፡፡

ብምዃኑ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ እናቐረበ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀትን ዝምልከት መብርሂ ሂበን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ክልል ዘለዉ እዋናዊ ማሕለኻታት ዝምልከት ዘተ ኣካይዶም፡፡

ነቲ ክልል ዝምልከቱ ዘይተጨበጡን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት እናተጋውሑ ከምዝርከቡ እውን ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣረዲአንኦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.