Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም።

እቲ ዝተውሃበ መግለፂ ስዒቡ “ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፌዴሬሽን ክወሃዱ ኢዮም ኣብ ዝብል ጉዳይ መንግስቲ እንታይ ቅዋም ክህልዎ ይኽእል?” ብዝብል ዝቐረበ ሕቶ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ንዝቐረበ ሕቶ ዝተውሃበ ምላሽ ውሱናት መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተፈለየ ዓውዲ ከምዘቕረብዎ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ንኤርትራዊያን ወገናት እቲ ጉዳይ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ነክፈልጡ ኣተሓሳስብ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ንሉእላውነት ኤርትራ ዘይነቓነቕ ቅዋም ኣለዎም አውን ኢሎም።

“ኣነ ከም ውልቀ ሰብ  እውን ንሉእላውነት ኤርትራ ኣኽብር ኢየ” እንትብሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንዝተፈጠረ ምድንጋር ይቅርታ እሓትት ከምዝበሉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.