Fana: At a Speed of Life!

ኣሰልጣኒ ዘማሪያም ወ/ጊዮርጊስ ኣሰልጣኒ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ዘማሪያም ወ/ጊዮርጊስ ኣሰልጣኒ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማብምዃን ብዕሊ ነታ ጋንታ ተረኪቦም ተባሂሉ።

እቶም ኣሰልጣኒ ቅድሚ ሕዚ ጋንታ ወልዋላ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሓዊሱ ንጋንታታት ኣዳማ ከተማ፣ ፋሲል ከነማ፣ ወልዲያ ከተማን ጅማ ኣባ ጅፋርን ምስልጣኖም ይዝከር፡፡

ሕዚ ድማ ብውዕሊ ሓደ ዓመት ጋንታ ድሬዳዋ ከተማን ንምስልጣን ምስምዕመዖም ተፈሊጡ፡፡

እታ ጋንታ ናብ ዘሐሸ ደረጃ ምብፃሕ ዕዮ ገዝኦም ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ፈላማይ ስረሖም ድማ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ጋንታ ሃዋሳ ከተማ ብምግጣም ክጅምሩ ኢዮም፡፡

ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ምስ ነበር ኣሰልጣኒኣ ፍሰሃ ጥዑመልሳን ከምዝተፈላለየት ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.