Fana: At a Speed of Life!

ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገበሮ ትንኮሳ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገበሮ ትንኮሳ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ቤት ፅሕፈትን ሓላፊት ዓለም ለኻዊ ርክብን ዓውዲ ሚዲያን ቢለኔ ስዩም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂበን።

እተን ሓላፊት ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገበሮ ትንኮሳ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፀን።

በዚ ድማ ምምዝባል ዜጋታት ይውስኽ ከምዘሎ ኢየን ተዛሪበን።

ብኣንፃሩ መንግስቲ ሐዚ እውን ውሳነ ድው ምብል ተኹሲ ከምዘኽበረ ኢየን ተዛሪበን።

ናብ ትግራይ ዝኸይድ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ንተሓገዝቲ ንክበፅሕ መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።

እቲ ኣሸባሪ ገጅለ ሐዚ እውን ናይ ሓሶት መረዳእታ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብምውዛዕ ሰባት የደናግር ከምዘሎ ገሊፀን።

”መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጭካነ ብዝተመልኦ ወፍሪ ጀሚሩ” ዝብል ካብቶም ዝውዝዑ ዘለዉ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።

ብተመሳሳሊ ”አብ ሑመራ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ተፈፂሙ” ዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ እንትካየድ ከምዝፀንሐ እውን ተዛሪበን።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዓፋር ባዕሉ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ተመለሱ ድማ መንግስቲ ሓገዝ ከይሐሊፍ ከልኪሉ ኢሉ ሰባት የደናግር ከምዘለ እውን ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.