Fana: At a Speed of Life!

ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም-ሚኒስቴርጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም ከብል ሚኒስቴርጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ምክትል ፀሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ሓገዝ ህፁፅ ግዜን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ማርቲን ግሪፍትስ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምዝታዮም ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ኣሸባሪ ህወሓት ደው ምባል ተኹሲ ብዘይምቕባሉ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንምፍታሕ ዝቐርብ ሰብ ኣዊ ደገፍ ምትዕንቓፉ ኣይተ ደመቀ ምግላፆም ሓቢሮም።

ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት እንተተመዛበሉ እውን ኦቻ ሓዊሱ ዓለም ለኻዊ ትካላት ከምዘየውገዙ ሓቢሮም።

ማርቲን ግርፍቲ ድማ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር መስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕርበት ከመዝሰርሑን ስጉምቲ ደው ምባል መንግስቲ ከምዝንእዱን ኣብሪሆም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን “የሰላም ጓድ” ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብር ዘሎ ምዃኑ፥ ዕላምኡውን ኣብ ሰብኣዊ ደገፍን ህንፀት ገፅታን ብምስታፍ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲ ኢትዮጵያን  ምስላፉ ንምርግጋፅ ከመዝኾነ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ መሰትኡ ናይጀሪያ ናይ ሓባት ቤት መኽሪ ንምጥያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ምግባሩ፣ ንህዳሰ ግድብ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ምዃኑ፣ ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 500 ዜጋታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.