Fana: At a Speed of Life!

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ንተወሰኽቲ 23 መዓልቲታት ብኽፋል ተዓፂየን ክፀንሓ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዝብል ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ንተወሰኽቲ 23 መዓልቲታት ብኽፋል ተዓፂየን ክፀንሓ ተወሲኑ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝርከብ ምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እናገለፁ ምዃኖም ኣብሪሀን።

ስለዝኾነ ድማ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ንተወሰኽቲ 23 ናይ ስራሕ መዓልቲታት፤ ማለት እውን ካብ 25 መጋቢት ክሳብ 30 ማዝያ 2012 ዓ.ም ብኽፋል ተዓፂየን ንኽፀንሓ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጠን።

እቲ ለበዳ ሕማም መብዛሕትኡ ግዘ ብንኽክእ ሰባትን ምጭንናቕን ዝመሓላለፍ ከምዝኾነ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝግለፅ እተን ፕሬዚዳንት ኣገንዚበን።

ብመንፅር ባህሪ ስራሕ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዳይነት እንትረአ ድማ እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ማሕበረሰብ ኣቢያተ ፍርዲን ተገልገልቲን ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል ብዝብል፥ ካብ 10 ክሳብ 24 መጋቢት 2012 ዓ.ም ን15 መዓልቲታት ብኽፋል ተዓፂየን ንኸፅንሓ ብዝተወሰነ መሰረት ተፈፃሚ እናተገበረ ምፅንሑ ኣዘኻኺረን።

ዳያኑ ንውሳነ ዝበፅሑን ውዙፋት መዛግብቲን ውሳነ እናሃቡ ንኽፀንሑ ከምዝተወሰነ ዝገለፃ ወይዘሮ መኣዛ፥ ህፁፃት ጉዳያት ብፍላይ ምስ ምኽባር መሰል ዜጋታት ዝተትሓሓዙ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዝምልከቱን ብዛዕባ እቲ ለበዳ ሕማምን ብዝምልከት ምኽባር ሕጊ ኣገዳሲ ስለዝኸውን ከምዚኦምን ካልኦት መሰል ጉዳያትን ብታረኛታት መገባእያ ከምዝረአዩ ተዛሪበን።

ግዘ ፃንሒቶም ሓደ ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ዝኾኑ ንምርመራ ዝተቖፀሩ መዛግብቲ ኣብ መዓልቲ ቆፀሮኦም መዕልቦ ተዋሂቡዎ እቶም መዛግብቲ ናብ መዝገብ ቤት ክምለሱ ከምዝግበርን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ቅድሚት ምሃብ ከምዘድሊን ምግላፀን ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቢያተ ፍርዲ ብኽፋል ዕፁዋት ኮይነን ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን፥ ብጉዳይ ገበን ብዝወሃብ ፍርዲ ምኽንያት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝግበኦም ሰባት እንተሃሊዮም ብዝምልከቶ ችሎት ብዝወሃብ ትእዛዝ ከምዝፍፀም እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.