Fana: At a Speed of Life!

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ብኽፋል ክፍቲ ኮይኖም ክውዕሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ምስ መረፃ ዝተተሓሓዙን ህፁፅ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝሓቱ ጉዳያት ንምትእንጋድ ብኽፋል ክፍቲ ኮይኖም ከምዝውዕሉ ተገሊፁ።

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ማለት እውን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ኣብ ኣዋጅ መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካን ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ዘይምስማዓት ንምድናይ ዝተውሃቦም ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ምስ መረፃ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዝከታተሉ በቢብርኩ 26 መጋባእያታት ኣዋዲዶም ብናፅነትን ዘይሻራዊን ዳይነት እናሃቡ ፀኒሖም ኢዮም።

ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ብተመሳሳሊ፥ ውሳነ ኣቢያተ ፍርዲ ዝደልዩ ምስ መረፃ ዝተተሓሓዙ ገበናትን ጉዳያት ፍትሃ ብሄርን ንምትእንጋድ ብኽፋል ክፍቲ ኮይኖም ከምዝውዕሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ኩለን ምድባት መጋባእያ ምድብ መጋባእያ ድሬዳዋ ሓዊሱ መጋባእያ መረፃን ምድብ መጋባእያ ኣራዳን ኣገልግሎት ክህባ ኢየን።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዋና ቤት ፍርዲን ኣብ ምድብ መጋባእያ ልደታን ኣራዳን ንጉዳያት መረፃ ዝተዋደዳ መጋባእያታት ክፍቲ እንትኾና፥ ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክልተ መጋባእያ ጉዳያት መረፃ ድሉዋት ኮይነን ክፅበያ ኢየን።

ኣቢያተ ፍርዲ ዝቐርቡለን ምስ መረፃ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ብናፅትን ዘይሻራውነትን ንምድናይ ዘለወን ምድላው ብግላፅ ህዝቢ ተረጋጊኡ ንኽመርፅ፣ ፀገም እንተጋጥም ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ንኸቕርብን ውሳነ ቤት ፍርዲ ከኽብርን ከምዝግባእ እቲ ቤት ፍርዲ ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.