Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ንኽረጁ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ፍሉይ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እናተሳለጠ ዝርከብ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ፥ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተፈላለዩ ሕቶታት እናሓተቱ ይርከቡ።

ኣባላት እቲ ባይቶ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ንኽፍረጁ ሓቲቶም።

ክልቲኦም ጉጅለታት ተዋዲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ካፋላት እዛ ሃገር ተግባር ግብረ ራዕዲ ከምዝተዋፈሩ ብምግላፅ፤ ጥፍኣቶም ከይቕፅሉሉ ብግብረ ራዕዲ ክፍረጁ ከምዝግባእ ኢዮም ሓቲቶም ዘለዉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይ ዝቐረቡሎም ሕቶታት መልሲን መብርሂን ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.