Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት “የሰላም ጓድ” ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ከምዝስለፉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት “የሰላም ጓድ” ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ከምዝስለፉ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ብፕሮፌሰር ብሩክ ኃይሉ ምስ ዝምራሕ ኣባላት “የሰላም ጓድ” ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቶም ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብምሕጓሶም ምስግና ንምቕራብን ኣብ ክሊ እዋናዊ ጉዳይ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ምስላፎም ንምርግጋፅን ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ኣተሓባባሪ እቲ ጉጅለ ፕሮፌሰር ብሩክ ገሊፆም።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት እቲ ጉጅል ብምስታፍ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት፣ ተግባራት ረድኤትን ህንፀት ሃገራዊ ገፅታን ዘበርክትዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ስራሕቲ ብዝምልከት ንኣይተ ደመቀ መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ደመቀ እቲ ጉጅለ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምስላፎምን ምስግና ኣቕሪቦም።

ስራሕቶም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ምሕታቶም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.