Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከቢድ ገበን መቕተልቲ፣ ሸፍትነትን ዘረፋን እናፈፀሙ ዝነበሩ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፀታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ተቐቢሎም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን 3 ቅትለት፣ ሓደ ፈተነ ቅትለት፣ 46 ብፆር መሳርሒን በላሕቲ ነገራትን ዝተሓገዘ ዘረፋን ሽፍትነትን ገበናት ብምፍፃም ሕብረተሰብ ብስግኣት ንኽነብር እናሰርሑ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ፡፡

ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምውዳድ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ሞጆ፣ ዝዋይ፣ ሻሸመኔ፣ በቱሉቦሎ፣ ወሊሶ፣ ቡታጅራን ወልቂጤን ዝወስዱ መገዲታት ብኣርባዕተ ጉጅለ ተወዲቦም መለለዪ ክዳን ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ከምኡ እውን ዘብለጭልጭ ክዳን ብምኽዳን፣ ልዑል ሓይሊ ብርሃን ዘለዎ ባውዛን ጦር መሳርሒ ብዝተሓገዘ ተሸከርከርቲ ጠተው እናበሉ ከቢድ ገበን ዘረፋን መቕተልቲን እናፈፀሙ ዝለበሩ ኣባላት ኦነግ ሸኔ፡-

  1. ኣብደላ ከድር ፣
  2. ቦና ኣያኖ ፣
  3. ታሪኩ ሲርባ ፣
  4. ቃሲም ገመቹ ፣
  5. ዲታ ካሼ ፣
  6. መሓመድ ኣደም፣
  7. ጫላ ወንድሙን
  8. ጀማል ከድርን

ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ራይድ ተሸከርከርቲ ብልዑል ገንዘብ ብምኩንታር ናብ ክልል ከተማታት ብምውሳድ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምፍጣር እናምሰዩ ለይቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኺ ብምባል ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ ኣብ ፀልማትን ፀው ዝበለ ቦታን ነታ ኣሽከርካሪት ጠጠው ክሳድ ብበሊሕ ነገር ወጊኦም ብምቕታል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሽከርከርቲ ዘስካሕኽሕ ገበን ከምዝፈፀሙ ኩሎም ተጠርጠርቲ ኣሚኖም ገበን ዝፈፀሙሉ ቦታን ኣፈፃፅምኡን ንጉጅለ ምርመራ ኣርኢዮም ኢዮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ብልዑል ክትትል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ብዝሃቦ ሓሬታን ተሳተፍቲ እቲ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐሎም ዝገለፀ እቲ ግብረ ሓይሊ÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልልን ካብ መሰል ገበናት ግብረ ራዕዲ ናይ ምክልኻልን ገበናት ተፈፂሞም እንትርከቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ናይ ምውዓል ተግባር ተጠናኺ ከምዝቕፅልን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.