Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ንኣፍጋኒስታን ሓገዝ ንምግባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን ንምፍታሕ ሓገዝ ንምግባር ከምዝተስማዕማዓ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ማሪዮ ድራጊ ኣበቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝኸፈቶ ጉባኤ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ኣብ ስምመዕነት ዝተበፅሐ እንትኸውን፥ እቲ ሓገዝ ናብ ኣፍጋኒስታን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፥ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ቀዳማይ ሚኒሰስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ተሳቲፎም፡፡

ፕሬዚዳንታት ቻይናን ሩሲያን ድማ ተወከልቶም ከምዝለኣኹ ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.