Fana: At a Speed of Life!

ኣብያተ ምኽሪ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ደቡብ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ኮብምዃን ብክልል ንምውዳብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብያተ ምኽሪ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ደቡብ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ኮብምዃን ብክልል ንምውዳብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፎም።

ቤት ምኽሪ ዞባ ህዝቢ ጎፋ 4ይ ዙር 9ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣወዳድባ ክልል ብዝምልከት ኣብ ክልል ደቡብ ምስ ዝርከቡ ዘዋስንዎ ካልኦት ዞባታትን ወረዳታትን ሓቢሩ ንምውዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ጎፋ ዶክተር ጌትነት በጋሻው÷ ብሓድሽ ኣወዳድባ ክልል ብሓባር ንዝውደቡ 11 መሓውራት ወላይታ፣ ጋሞ፣ ጎፋ፣ ጌዴኦ፣ ኮንሶ፣ ኣማሮ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ኣሌ፣ ባስኬቶ፣ ቡርጂን ደራሼን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ጉዳይ ማእኸል ሳይንሳዊን ምኽንያታዊን ብዝኾነ ዘተ ተገይሩሉ ብድምፂ ህዝቢ ዝውሰን ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ጌትነት÷ ሕቶ ውደባ ክልል ረብሓ ህዝቢ ብዘኽብር መልክዑ ንክኸውን መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ቤት ምኽሪ ዞባ ስልጤ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 4ይ ዙር መበል 22 ስሩዕ ጉባኤ ሕቶ ውደባ ክልል ንምምላስ ከም ፍታሕ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ድሕሪ ኣብ ውሳነ ሓሳብ ምዝታዩ ተቐቢሉ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.