Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቦም ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ምቁፅፃር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መፃኢ ሃገራ መረፃ ብሰላማዊ መገዲ ንኽካየድ ኣብ መረፃ ኣድሂቦም ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ምቁፅፃር ከምዝግባእ ማእኸል ምዕባለ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን (CARD)ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሎም ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ንምክልኻል ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፁ።

መንግስቲ ግልፅነትን ተሓታቲነትን ብምዕሳል፣ ተኣማኒነት ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ክዓቢ ብምግባር፣ ከምኡ እውን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ግንዛበ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘማዕብሉ ስራሕቲ ተሳትፎነ ብምግባር ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ፈነወ ምውዛሕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኣትን እናተስፋሕፍሑ ምምፀኦም፥ እቲ ማእኸል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝገበሮ ዳህሳስ ማሕበራዊ ሚዲያታት መሰረት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩነታት ሃገራዊ መረፃ ኣብዝካየደሉ እዋን ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ዳይሬክተር ፕግራም ማእኸል ምዕባለ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ኣይተ ኣጥናፉ ብርሃኔ ተዛሪቦም።

ዴሞክራሲያዊ መረፃ ዜጋታት እኹልን ንፁርን ሓበሬታ ረኺቦም ዘካይዱዎ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ትካል፥ ምስፍሕፋሕ ፈነወ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን፤ መሰል ሓበሬታ ምርካብ ደቂ ሰባት ከምዘተኣጓጉል ገሊፁ።

መሰል ፀገማት ኣብ እዋን መረፃ ከስዕቡዎ ዝኸእሉ ናዕቢ ኣብ ግምት ብምእታው፥ መንግስቲ ኣቐዲሙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ክሰርሕ ከምዝግባእ እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ኩሎም ዜጋታት ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ካብ ምፍናው ንኽቑጠቡ እውን ፀዊዑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.