Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሺሕ ሰባት ኮቪድ-19 ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 200 ሺሕን 739 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ክንድዚ ዘኣክል በቲ ቫይረስ እንትተሓዝ ንፈለማ እዋን ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ሆስፒታላት ሕፅረት ዓራትን ኦክሲጅንን ከምዘጋጠመ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብ ህንዲ ልዕ 14 ሚሊየን ዜጋታት በቲ ለበዳ ቫይረስ ተታሒዞም ኢዮም፡፡

ኣብ ውሽጢ 24 1 ሺሕን 38 ሰባት ንሕልፈት ዝተቓልዑ እንትኾኑ፥ ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 173 ሺሕን 123 ክብ ክብል ክኢሉ፡፡

ምስ ክታበት ተተሓሒዙ ድማ፥ ህንዲ 111 ሚሊየን ዜጋታት ክትከትብ ከምዝኸኣለት ኣፍሊጣ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 13 ሚሊየን ዝኾኑ ካልኣይ ዙር ክታበት ምውሳዶም ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.