Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 100 ሺሕ ሰባት ብኮቪድ 19 ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ል 103 ሺሕ 558 ሰባት ብኮቪድ 19 ከምዝተለኸፉ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ኣሜሪካን ብራዚልን ቀፂሉ እቲ ለበዳ ብዝኸፍአ ኩነታት ዝተላበዐላ ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሐዚ 12 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትልከፉ፥ 165 ሺሕን 101 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብታ ሃገር መሰረታዊ መከላኸሊ ሜላታት ብኣግባቡ ኣብ ምትግባር ዘሎ ጉድለት ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕበር።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.