Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ 6 ሺሕን 148 ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝለዓለ ቁፅሪ ሞት ተመዝጊቡ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 6 ሺሕን 148 ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ህንዲ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተመዝገበ መጠን ሞት ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ነቲ ሚኒስቴር ፀሪሑ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ህንዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ለበዳ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 29 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ 94 ሺሕን 52 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ 35 ሺሕን 676 ሰባት ብምኽኒያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ህንዲ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ብዝሓለፉ ሰባት ቁፅሪ ድማ ካብ ኣሜሪካን ብራዚልን ቀፂላ ሳልሰይቲ ሃገር ክትከውን ክኢላ ኣላ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.