Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 8 ሺሕ ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 8 ሺሕ ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ሓሊፉ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ድማ ልዕሊ 40 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም፡፡

እቲ ለበዳ ቫይረስ፥ ኣብ ገፀር ከባቢታት እታ ሃገር እናኸፍአ ምምፅኡ ፀብፃባት ይሕብሩ ኣለዉ፡፡

በቲ ቫረስ ዝጥቅዑ ሰባት ሕፅረት ምርመራ ስለዘሎ እምበር ቁፅሮም ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ከምዝገለፆ፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 362 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሰባት ተታሒዞም፡፡

ኣብቲ ፀብፃብ 24 ሰዓት 4 ሺሕን 120 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ብሓፈሻ ድማ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 258 ሺሕን 317 ዜጋታት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ሰብ ሞያታት ጥዕና ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፥ እቲ ቁፅሪ ካብ 5 ክሳብ 10 ዕፅፊ ክዛይድ ከምዝኽእል ኢዩ፡፡

ፍልፍ፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.