Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንፀት ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ትኹረት ተዋሂቡ ይሰራሕ ከም ዘሎ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎናጎኒ መኸተ ቫይረስ ኮረና ኣብ ህንፀት ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ዳይርክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ፍትዊ ግደይ፥ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምምላእ ዩኒሴፍ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊዮን፣ CCP ዝብሃል ገባሪ ሰናይ ድማ ንማይ ረቶን ዝውዕልን ብልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ዝስራሕ ዃዕቲ ማይ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ዝነጥፉ ከም ዛምራ፣ ተከዘ ስራሕቲ ዓሚቅ ማይ ኢንተርፕራይዝን ዩናይትድ ኮንስትራክሽንን እውን ዘይሕለል ሓገዝ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

እቲ ቢሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ሕፅረት ማይ ኣብ ዘለወን ከባቢታት ቅድምያ ብምሃብን ምስ ዝተፈላለዩ ኤንጂኦታትን (Ngo) ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ተጋሩን ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣይተ ፍትዊ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተጀመሩን ንክስርሑ ዝተፀንዑን ፕሮጀክትታት ማይ ብቅልጡፍ ተወዲኦም ንሕብረተሰብ ግልጋሎት ንክህቡ እናተሰረሐ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.