Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሆሳዕና ብምኽንያት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 10 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ዓንዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሆሳዕና ትማሊ ለይቲ ብዝዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 10 ሚሊየን ግምት ዘለዎ ንብረት ከምዝዓነወ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር እታ ከተማ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዋና ኢንስፔክተር ካሳ ሊዕሊሶ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብታ ከተማ መንደር ሊች አምባ 1 ወይድማ ብልሙድ ታይዋን ሰፈር ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ትማሊ ለይቲ 5 ሰዓትን ፈረቓን ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ሓደጋ 10 ክፍልታት መውሃቢ ኣገልግሎት ስፌት ክዳውንቲ፣ ኣልባሳትን ማሽናት መስፈይ ክዳውንትን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነው ሓቢሮም፡፡

እቲ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት ገዛውቲ ንከይባፃሕን ዝኸፈአ ፀገም ንከየስዕብ ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ብዝገበርዎ ዝተዋደደ ምትሕብባር ክቆፃፀርዎ ክኢሎም እዮም፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዘብፀሖ ጉድኣት ከምዘየለ ዘመላኸቱ ዋና ኢንስፔክተር ካሳ፥ እቲ ዝዓነወ ንብረት እውን ልዕሊ 10 ሚሊዮን ብር ከምዝግመት ኣፍሊጦም፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ ንግዚኡ ከምዘይተፈለጠን ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነን ምግላፆም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.