Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝሰርሑ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝሰርሑ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ስልጠና እናተውሃበ ምዃኑ ሚኒሰስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

እቲ ስልጠና፥ ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ኮሌጅ ዩንቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኢዩ ኣብ ሰንዳፋ ኮሌጅ ዩንቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ እናተውሃበ ዝርከብ።

ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ምኽባር ሕጊ ሚኒስቴር ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው፥ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተዓፂየን ዝነበራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ግደ ኣባላት ፖሊስ ዝለዓለ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ሕማም እናተፈስፋሕፈሐ ስለዝኾነ፥ ልዑል ጥንቃቐ ብምግባር ጎንፂታት ከይፍጠሩ እቶም ኣባላት ሰራዊት ኣጠንኪሮም ክሰርሑ ከምዝግባእን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሰላማዊ ክኸውን ኣብ ምግባር ልዑል ሓላፍነት ከምለዎምን ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣባላት ፖሊስ፥ ፀፅታ ኣብ ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ ዝፍጠሩ ስሕተታት ናብ ትምህርቲ ብምቕያር መኸርቲን መምሃርቲን ክኾኑ ኣለዎም እውን ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.