Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፀፅታን ቡራዩን ካልኦትን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ህይወት ዘጥፍኡ ኣካላት ክትትል ብምግባር ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቡራዩ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፀፅታን ካልኦትን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ህይወት ዘጥፍኡ ኣካላት ተኸታቲሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቡራዩ ሓላፊ ፀፅታ እታ ከተማ ኣይተ ሰሎሞን ታደሰ ትማሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወቶም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ሰለስተ ሰባት ጉድኣት በፂሑዎም እብ ክትትል ሕክምና ከምዝርከቡ እውን ተገሊፁ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣብ መግለፂኡ፥ ምስቲ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ገበነኛታት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንምውዓልን ቀትሪን ለይቲን ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፁ።

እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት መንግስቲ ተሓባቢሩ ንኽሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.