Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ባቡር ብዝተፈፀመ ሰርቂ ልዕሊ 80 ሚሊየን ብር ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ባቡር ብዝተፈፀመ ሰርቂ ልዕሊ 80 ሚሊየን ብር ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣክሲዮን ማሕበር ባቡር ትራንስፖርት ኢትዮ ጅቡቲ ኣፍሊጡ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነገስቲ ፌዴራል ኣብ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ብተደጋጋሚ ዘረፋን ሰርቂን ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ረእዮም።

ኣብቲ ማሕበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዶክተር ኣብዲ ዘነበ፥ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ባቡር ብተደጋጋሚ ስርቂ የጋጥም ከምዘሎ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 80 ሚሊየን ብር ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ተግባር ብሓባር ምክልኻልን ህፁፅ ምላሽ ምሃብን ዘኽእል ዑደት ከምዝተገበረ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.