Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኦስትሪያ ልዑል መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኦስትሪያ ልዑል መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ፥ ብካሊእ ሃገር ዝተቐነባበረ ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ዕለት ድማ፥ ሓምለዋይ ዝተባህለ ፓርቲ ኦስትሪያ ምሰ ኣኽረርቲ ፓርቲታት ጥምረት ንምምስራት ንዝቐረበ ሓሳብ ድጋፍ ኣብ ዝሃቡሉ ዕለት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ሳይበር ትማሊ ዝተጀመረ ኮይኑ፥ ኣብ ዘቕፅሉ መዓልታት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝኽእል ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲ ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኦስትሪያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ድማ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ቕልጡፍን ኣድላዪ ዘበለን ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ፥ በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክንደይ ዘኣክል ጉድኣት በፂሑ ብዝብል ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዘየለ እውን ተሓቢሩ።

ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ፥ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ለዑል መጥቃዕቲ ሳይበር እናተኣናገዳ ምዃነን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.