Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜንን ማይካድራን ምስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምትሕሓዝ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣካላት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክሲ ክምስረት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጉጅ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜንን ማይካድራን ምስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምትሕሓዝ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣካላት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክሲ ክምስረት ኢዩ ክብል ኣፃራዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ኣፍሊጡ።

ኣፃራዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ናይተ መጥቃዕተ ኣካል ዝኾነን ኣብቲ ክልል ተፈፂሞም ምስ ዝተብሃሉ ገበናትን ተግባራትን ብዝተተሓሓዘ ናይ ምፅራይን ምርመራን ከይዲ
ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊን ከምዝተገበረን እቶም ትኣላት ዝበፅሕዎ ርካቦት ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገበሩን ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜንን ማይካድራን ምስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምትሕሓዝ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣካላት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክሲ ክምስረት ኢዩ ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣክሱም ተፈፂሙ ኢዩ ዝበሎ ፆታዊ መጥቃዕቲን ካልኦት ግዳያእን ብዝምልከት ምስ ሰብ ዓለም ለኻዊ ሰብ ሞያ ጉሥለ ብምዃን የፃሪ ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.