Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈተነ ክትባት ፀረ-ቫይረስ ኮሮና ዓቕሚ ምክልኻል ሰባት ከመሓይሽ ምኽኣሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝተዳለወ ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሰባት ተፈቲኑ ፅቡቕ ውፅኢት ምምፅኡ ተገሊፁ።

በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰናድአ እቲ ክትባት ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ሰባትን ከምዘመሓይሽ ምርግጋፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ክትባት ብዝለዓለ ብርኪ ተስፋ ዝህብ ኢዩ ዝበለ ፀብፃብ ቢቢሲ፥ እቲ ሕማም ንምክልኻል እኹል ምዃኑ ንምርግጋፅ ተረፍ ስራሕቲ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዝተኻየደ ፈተነ 1 ሺሕን 77 ሰባት ተሳተፍቲ እንትኾኑ፥ እቲ መድሓኒት ተኸላኸልቲ ሕማም (አንቲቦዲ)ን ፀዓዱ ዋሕዮታት ደምን ሰባት ክውስኽ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ብሪታኒያ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ChAdOx1 nCoV-19 ዝተብሃለ ክትባት ንኽቐርበለን ትእዛዝ ምምሕልላፈን ተፈሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.