Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶታት ምምሕያሽ የርእዩ ኣለዉ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶታት ምምሕያሽ ከምዘርአዩ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብ ሴኔጋል ዳካር ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ቻይና ኣፍሪከ ኢትዮጵያ ምስታፋ ከም ዓወት ዝቑጠር ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሓቂ ንዝተረፈ ዓለም ንምርኣይ ዕድል ከፊቱላ ኢዩ እውን ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምግባሮም እውን ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ፈተውቲ ከምዘለዋኣ ዘርኢን ዕዙዝ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነን እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ፀሪሖም።

ብኻሊእ መዳይ ወፍሪ ምንቅስቓስ “የኣክል” ኣፍሪካዊ መልክዕ ከምዝሓዘን ብዙሓት ተኸተልቲ ካብ መላእ ዓለምምፍራዩን ኣብሪሆም።

ድሕሪ ዓወት ዝኸበሩ ናይ ልደትን ጥምቀትን በዓላት ንምኽባር 1 ሚሊየን ዳያስፖራታት ዕድመ ከምዝተገበረሎም ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ናብ ሃገሮም ብምምፃእ ምሕዝነቶም ንኸርእዩ ሓቲቶም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ዘመን በየነ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.