Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኣይተ ልደቱ  ክሲ ክሳብ ዝምስረት መርማሪ ፖሊስ ንክወሃቦ ዝሓተቶ ተወሳኺ ጊዜ  ቤት ፍርዲ ውድቂ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መርማሪ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ከካይዶ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙ ብምግላፅ ዓቃቤ ሕጊ ክሲ ክሳብ ዝምስርት ተወሳኺ 14 መዓልቲ ይወሃበኒ ከብል ንቤት ፍርዲ ዝሓተተ እንትኸውን፥ ቤት ፍርዲ እቲ ሕቶ ኣግባብነት የብሉን ክብል ውድቂ ገይሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ መዝገብ ምርመራ ፖሊስ ከምዝተዓፀወ ብምግላፅ፥ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብኻሊእ መዝገብ ሕቶ ውሕስና ንከቕርቡ ኣዚዙ።

ንመበል ራብዓይ ግዜ ኣብ ወረዳ ቤት ፍርዲ ከተማ ቢሸፍቱ ዝቐረቡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፥ “ቤት ፍርዲ ኩነታት ጥዕናይ ኣብ ግምት ከእቲ ኣለዎ፣ ቅድመ ሐዚ ዘቕረብክዎ መረዳእታ ሕክምና ሕሙም ልቢ ምዃነይ ስዒቡ ንለበዳ ሕሞም ቫይረስ ኮሮና ተቓላዓይ ከምዝገብረኒ ተሓቢሩ ዝተፅሓፈ እንትኸውን፥ ኣብ ጣቢያ ፖሊስ ምርመራ ኮቪድ-19 ኣይተገበረን፣ ንጥዕናይ ኣብ ግምት ዘእተወ ርሕቐት ዝሓለወ ክንክን ኣይተገበረለይን፣ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ሽንቲ ቤት 50 እሱራት ከምዝጥቀሙን እዚ እውን ንጥዕናይ ሓደጋ ኢዩ” ኢሎም።

“ፓሊስ ክሳብ ሐዚ ዝገበሮ ምርመራ ሓዱሽ ውፅኢት ዘይብሉ፣ ኣተሓባቢርካዮም ዝተብሃልኩ ተሓባበርቲ ዘይተትሓዘሉን መሰኻኽር ዘይቀረበሉን ኢዩ” ክብሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ፖሊስ ብግደኡ፥ ክሳብ ሐዚ ክገብሮ ዝፀንሐ ምርመራ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መልእኽቲታት ሰልኪ ከምኡውን ኣብ ኢዶም ዝተረኸበ ሰነዳት መጣየሺ  ሽግግር መንግስቲ ውፅኢታት ኣብቲ መዝገብ ከምዘካተተ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር “ ምርመራይ ዛዚመ ኢየ፣ እቲ መዝገብ ዓቃቤ ሕጊ መርሚሩ ክሲ ክሳብ ዝምስርት ተወሳኺ 14 መዓልቲ ይወሃበኒ” ከብል ሓቲቱ።

ኣብቲ መዝገብ ምርመራ ከምዝተዛዘመ ዝገለፀ ቤት ፍርዲ፥ ብመሰረት ስነስርዓት መቕፅዒ ገበን ዓንቀፅ 59 / 1 ን 2 ዝቐረበ ሕቶ ኣግባብነት ዘይብሉን ዝዛዘምካዮ መዝገብ ተወሳኺ ግዘ ኣየውህብን፣ ሕቶኻ እውን ኣግባብነት ሕጊ ኣይብሉን” ከብል ውድቂ ገይርዎ።

ይኹን እንበር ሎሚ መዓልቲ ብኽልተ ጠበቓታት ብምውካል ዝቐረቡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝሓተትዎ ሕቶ ውሕስና ኣብቲ ዝተዓፀወ መዝገብ እንተይኮነስ ኣብ ካሊእ መዝገብ ምቕራይ ይኽእሉ ኢዮም ክብል መዝገብ መርማሪ ፖሊስ ዓፅዩዎ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.