Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሐ ስብራትን ዕንወት ንብረትን ንምፅጋን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ምሽብሻብ የድሊ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሐ ስብራትን ዕንወት ንብረትን ንምፅጋን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ምሽብሻብ ከምዘድሊ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ሚኒስቴር እቶት፥ “ኣገልጋላይነት መግለፂና ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብኣፈፃፅማ ስረሖም ፅቡቕ ውፅኢት ዘመዝገቡ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ከምኡ እውን ትካላት መርሃ ግብሪ ሽልማትን ኣፍልጦን ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሐ ስብራትን ዕንወት ንብረትን ዝበፅሐ ዕንወት ንምፅጋን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ምንቅስቓስ የድሊ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ግምባር፣ ብዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን ዝገጠምናዮ ኲናት ሰዓሪት ኮይና ንምውፃእ ሓድነትና ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝገለፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም እናዘወሩ ዝርከቡ ሃገራት ፍልፍል ጥንካረአን ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ነዚ ድማ ኣተኣኻኽባ እቶት ብጥንኩር ስነስርዓት ምትእኽኻብ  ግብሪ ዝተሃነፀ ዓቢዩ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

“ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ ሃገር ዘሳግር ኢኮኖሚ ምፍጣር የድሊ፤ እዚ ድማ ብጥንኩር ትልሚ ምምራሕ የድሊ” ኢሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ዝረኸቡ ኣካላት ብዝሓዙዎ እንተይዓገቡ ንዝለዓለ ብራኸ ንኽተግሁ ኣተሓሳሲቦም።

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.