Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ኣፍሪካዊ ፕሬዚዳንት

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ጒኒ-ቢሳው ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ፕሬዚደንትታት ዝመርሑዋ ሃገር ኢያ።

ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ጒኒ-ቢሳው ኮይኑ ከገልግል ብፓርላማ ዝተመዘዘ ሲፕሪያኖ ካሳማ፥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ።

እቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተኻየደ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ፕሬዚዳንት ዝኾነ ካሳማ፥ ናይ ሞት ምፍርራሕ ከም ዝበፅሖን ንሂወቱን ሂወት ስድራቤቱን ንምድሓን ከም ዝወረደ ገሊፁ።

ኣብቲ ኣካታዒ ምርጫ ተዓዊቱ ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ጄነራል ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ፥ ከም ፕሬዚዳንት ቃለማሕላ ድሕሪ ምፍፃሙ’ዩ ፓርላማ ኣብ ርእሲኡ ካልኣይ ፕሬዚዳንት መሪፁ።

ጒኒ-ቢሳው፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1980 ጀሚራ ትሽዓተ ዕልዋታትን ፈተነ ዕልዋን ዘተኣናገደት ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ።

ቀንዲ መሰጋገሪት ናይቲ ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኣውሮፓ ዝኸይድ ንግዲ ዕፀ-ፋርስ ምዃና’ውን ይንገረላ።

ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 1 ነጥቢ 6 ሚልየን ከም ዝበፅሕ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.