Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣሶሳ ብልዕሊ 19 ሚሊየን ብር ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣሶሳ ብልዕሊ 19 ሚሊየን ብር ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም።

እቲ ገንዘብ፥ ምስ ትረስት ፈንድ ህፁፅ ግዜ ሕብረት ኣውሮፓን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ብምትሕብባር ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ንምርቓት ዝበቕዐ ፕሮጀክት፥ ንህፃናትን ኣዴታትን ኣገልግሎት ዝህብ ህንፃ መዋልዳን፣ ሕክምና ማህፀን፣ ቤተ ፈተነን ንፅህናን፣ መሕፀቢ ማሽን ከምኡውን 50 ሺሕ ሊትሮ ዝሕዝ ታንከር መዕቖሪ ማይ ዘካተተ ኢዩ።

ኣብ ምረቓ እቲ ፕሮጀክት፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታሁን ኣብዲላ፣ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ኣብ ኢትዮጵያ ፍራንክ ማክማኑስ ከምኡውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ተወከልቲ መዳርግቲ ትካላትን ምርካቦም ካብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.