Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚለየን ብር  ድጋፍ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሃምሌ 27፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤምሬትን ካብ ኢትዮጵያውያን ኮሚኒቲ ማሕበር ናይ ኣመራርሓ ቦርድ ኣባላትን ዲፕሎማትን ብምዃን ኣብ ዝተገበረ ዘተ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚለየን ብር  ድጋፍ ተኣኪቡ።

ኣብቲ ዘተ  ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎናን ናይ ዱባይን  ሰሜን ኤምሬትስ ናይ ፌዴሪኢ ቆንስላ ቆንስል ጄኔራል ኣምባሳደር እየሩሳሌም አምደማሪያም፣ ናይ ዱባይን ሰሜን ኤምሬታት ናይ ኢትዮጵያውያን ኮሚኒቲ ማሕበር ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓን ዲፕሎማተኛታትን ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ሉዓላዊነትን ህልውና ህዝብን ንምኽባር ኩሉ ሃገር ዝፈቱ  ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ርብርብ ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ  ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚለየን ብር  ድጋፍ ተኣኪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.