Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሳባት ቁፅሮም ካብ 25 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሳባት ቁፅሮም ካብ 25 ሚሊየን ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ሓፂር እዋን ናብ መላኣ ዓለም ዝተላበደ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ከምዝተወለዐ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙን ህይወቶም ዝሓልፍን ሰባት ቁፅሮም ብቕልጡፍ እናዓበየ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መላእ ዓለም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 25 ሚሊየን 191 ሺሕን 816 ምብፅሑ ድማ ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ወርልድ ኦሜትር የመላኽት።

847 ሺሕን 136 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ተላባዲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም።

ብኻሊእ መዳይ ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 17 ሚሊየን 542 ሺሕን 928 ከምዝበፅሐ እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊፁ።

ካብ ዓለም ኣሜሪካ፣ ብራዚል፣ ህንድ፣ ሩሲያን ፔሩን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት ብምምዝጋብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ብብርኪ ኣፍሪካ ድማ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ግብፂ፣ ሞሮኮ፣ ናይጀሪያን ኢትዮጵያን ልዑል ቁፅሪ ብምምዝጋብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ እናመርሓ ይርከባ።

ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሺሕን 654 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 770 ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.