Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝፍፀሙ ስርቂታት ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደሩ ይርከቡ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝፍፀሙ ስርቂታት ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደሩ ከምዝርከቡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኣገልግሎት ሕጊ እቲ ኣገልግሎት ኣይ ኣበበ ተስፋይ፥ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ተግባር ዝፍፀም ስርቂ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ይኹኑ እምበር፤ ዝፍፀም ዕንወትን ስርቂን ካብ እዋን ናብ እዋን እናበኣሰ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ትካል ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናፈጠረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዕንወትን ስርቂን ካብ ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝግዝኡ እታወታት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ድማ እቲ ትካል ዘቐመጦ ፅሬት ዘለዎን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ትልሚ ከይዕወት ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ሓቢሮም፡፡

ካብ ስርቂ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ብተወሳኺ ናይ ሓይሊ ስርቂ ዝፍፅም ዓሚል ብኣዋጅ ኢነርጂ ቁፅሪ 810/2006 ዓ.ም መሰረት ብምግባር ተሓታቲ ሕጊ ከምዝኸውን ኢሎም እቶም ዳይሬክተር፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታትን ስርቂን 131 ገበናት ስርቂ ከምዝተፈፀሙ ዝገለፁ ኣይተ ኣበበ፥ ብምኽንያት እዚ ድማ 16 ሚሊየን 283 ሺሕን 400 ብር ጉድኣት ከምዝበፅሐ ምሕባሮም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.