Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መሳጊድ ዘጋጥሙ ዘለዉ ጎንፅታት ንምፍታሕ ተቐራሪብካ ምዝርራብ ኣማራፂ መፍትሒ ዘይብሉ መፍትሒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንድለም ኣብ መሳጊድ ዘጋጥሙ ዘለዉ ጎንፅታት ንምፍታሕ ተቐራሪብካ ምዝርራብ ኣማራፂ መፍትሒ ዘይብሉ መፍትሒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስልምና ፌዴራል ኣቢሉ ምስ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሱናት ከባቢታት “መስጊድ ፈሪሱ” ብዝብል ዝተፈጠረ ፀገም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ሓበሬዊ መፍትሒ ንምምፃእ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ካብ ፌዴራል መጅሊስ ፣ኣዲስ ኣበባ መጅሊስን ኦሮሚያ መጅሊስን ዝተወከሉ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሓላፊት ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ኣዲስ ኣበባ ሊዲያ ግርማን ኮ0ሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋውን ተረኺቦም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር መሳጊድ ፈሪሶም ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘርከቡ ክልተ መሳጊድ ኣብ እዋን ጁምኣ ሶላት ዓመፅ ንምፍጣር ፈተነ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ጉድኣት ኣካለን ንብረትን ከምኡውን ሀይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ።

ኣብ ኮሚንኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥ ትካላት ሃይማኖት ዘብዒ ሰላም ክኾና ከመዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ብናልፍ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ መሳጊድ ዘጋጥሙ ዘለዉ ጎንፅታት ንምፍታሕ ተቐራሪብካ ምዝርራብ ኣማራፂ መፍትሒ ዘይብሉ መፍትሒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.