Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 14 ሰሙን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ዝተካየደ ብሕታዊ ፀወታ መበል 14 ሰሙን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ ሃዋሳ ከተማ ዓወት ኣመዝጊባ።

ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንሃዋሳ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ፥ 5 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፋላላይ ሽቶ ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ።

ኦኪኪ ኣፎላቢ ሎሚ መዓልቲ 3 ሽቶታት ብምምዝጋብ፥ ኣብ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ፈላማይ ናይዚ ዓመት ሃትሪክ ዝሰርሐ ተፃዋታይ ኮይኑ።

ኦኪኪ አፎላቢ ኣብ መበል 4ይ፣ 60፣ 63ን ደቒቕ እተን ሰለስተ ሸቶታት ዘቑፀረን እንትኸውን፥ ሙሉጌታ ወ/ጊዮርጊስ ኣብ 12 ደቒቓ፣ ቢያድግልኝ ኤልያስ ድማ ኣብ መበል 90 ደቒቓ እተን ዝተረፋ ሽቶታት ከቑፅሩወን ክኢሎም።

ብሕታዊት ሸቶ ጋንታ ሃዋሳ ከተማ ብሩክ በየነ ኣብ መበል 69 ደቒቓ ብፍፁም ቅላዕ ኣቑፂሩዋ።

ተፃዋታይ ጋንታ ሃዋሳ ኣለልኝ ኣዘነ ኣብ መበል 23 ደቒቓ ብክልተ ብጫ ካብ ሜዳ ተባሪሩ ኢዩ።

መበል 14 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ፅባሕ ቀፂሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ክካየዱ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.