Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ ጣና በለስ ናብ ባህርዳር ዝኸይድ 400 ኪሎ ቮልት ኣብ ዝሽከም መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘጋጠመ ፀገም ቴክኒክ እቲ ፀገም ክፍጠር ዝኸኣለ ተገሊፁ።

ኣብቲ መስመር ዝተፈጠረ ምዝሕታል ዓቕሚ፥ ኣብ ሓፈሻዊ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሃገር ፀገም ምፍጣሩ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣተ ረመስገን መኮንን ንኢቢሲ ገሊጾም።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ ካብ ረፋድ ሰዓት 5 ጀሚሩ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጋጢሙ ኢዩ።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ዝተወሰኑ ከባቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርካብ ከምዝጀመራን እቲ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ንምፍታሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.