Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መተከል ዝንቀሳቐሱ ተረፍ መረፍ ጁንታ ኢዶም ንክህቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐሱ ተረፍ መረፍ ጁንታ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኢዶም ንኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ንክህቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናላተመ ዝነበረ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝኸፈሎ መስዋእትነት ህልውንኡ ኣብቂዑ ኢዩ ኢሎም።

ኣፈፀምቲ ተልእኾ ጥፍኣት እቲ ጁንታ ንዓመታት ኣብ መተከል ብዘብፅሕዎ ጥፍኣት ንፁሃን ሰባት ንክሞቱ፣ ንክመዛበሉን ንብረት ንክዓኑን ምኽኒያት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ልዕልነት ሕጊ እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ሓይሊታት ፀፅታ፣ ምስ ጎረቤት ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፌዴራልን ምትሕብባር ብምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ብዙሓት ተለኣኣኽቲ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ከምዝተደምሰሱ ኣፍሊጦም።

እቲ ስጉምቲ ይውሰድ እኳ እንተሃለወ፥ እቲ ጥፍኣት ግን ክሳብ ቀረባ እዋን ከምዝቀፀለ ኣይተ ኣሻድሊ ሓቢሮም።

ንጁንታ ህወሓት ዘይረብሓ ኣካይዳ ነቶም ተለኣኣኽቲ ከምዘይጠቅም ክርድኡ ይግባእ ድማ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐሱ ተረፍ መረፍ ጁንታ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኢዶም ንኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ንክህቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevisionሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.