Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ደገፍ ስምምዕነት ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ደገፍ ስምምዕነት 1 ነጥቢ 02 ቢሊየን ብር ተኸቲሙ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝስርሑ ሰለስተ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብገንዘብ ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቅርስታት ንምፅጋንን ንምክንኻንን፣ ክእለት ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ክብ ብምባል እቲ ትካል ንምጥንኻርን ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኤጀንሲ ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዓቕሚ ሲቪል ማሕበራት ብምህናፅን ብምጥንኻርን ግደኦም ብኣግባቡ ነክዋፅኡ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት፣ ሚንስትር ዲኤታ ሚንስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሬታ ሰዋሰውን ሓላፊ ትካል ልምዓት መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ቫሌሪ ቲኣዎን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማስቹዌክስ ኣብ ዝተረኸብሉ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.