Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዓልቲ ክሳብ 400 ምርመራ ኮቪድ-19 ዝገብሩ መሳርሒታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢንስቲትዮት ምርምር ኣርማዎር ሃንሰንን ብሄራዊ ማእኸል ምርመራን መፅናዕቲን ጥዕና እንስሳትን ምርመራ ኮቪድ-19 ተጀሚሩ።

ክልቲአን ትካላት ኣርባዕተ ማሽናት ኣርቲ ፒሲኣር ብምጥቃም ኣብ መዓልቲ ክሳብ 400 ዝኣክል ምርመራ ኮቪድ-19 ከምዝገብራ ተገሊፁ።

ነዙይ ዘድልዩ ኣርባዕተ ማሽናት ኣርቲ ፒሲኣር ድማ ኣብተን ትካላት ከክልተ ከምዘለዉወን እውን ተሓቢሩ።

ንሰብ ሞያታት ኣቢያተ ፈተነ ዘድሊዩ ስልጠናታት ሓዊሱ ኣቑሑት ምርመራን ካልኦት ኣድለይቲ እታወታትን ከምዝቐረቡ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታቸው ቶሌራ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ከይዲ ምርመራ ኮቪድ-19 ድማ ብኣተሓባባራይነት ብሄራዊ ቤተ-ፈተነ ህንፀት ዓቕሚ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.