Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣይተዓወቱን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014)ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየዱ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣይቀንዖምን።

ኣብ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መዛዘሚ ውድድር ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮን ኢትዮጵያን ኣትሌታት ተሳቲፎም ኣይዓወቱን።

ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ ኖርዌይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።

ኣብቲ ውድድር ዩሚፍ ቀጀልቻ 8ይ፣ ሰለሞን ባረጋ መበል 12ን ሙክታር ኢድሪስ መበል 13 ብውፃእ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኬንያውይንን ኡጋንዳውያንን ኣትሌታት ተኸታቲሎም ካልኣይን ሳልሳይን ወፂኦም።

ብ800 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ድርቤ ወልተጂ ራብዐይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.