Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሚድዌስት ሚኒሶታ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትጵያውያንን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 40 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚድዌስት ሚኒሶታ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትጵያውያንን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኮሚቴ መተሓባበሪ ሓገዝ ዘተኣኻኸቦ 40 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣረኪቡ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ቄስ ፍራንሲስ፥ እቲ ኮሚቴ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝንዝሑ ዝተሰሓሓቱ ትረኻታት ንምምካትን ንህንፀት እቲ ግድብ ዘኸውን ሃፍቲ ንምትእኽኻብ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚቴ ካልኣይ 40 ሺሕ ዶላር እናተኣኻኸበ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ፥ ሃፍቲ ምስ ምትእኽኻብ ጎድና ጎድኒ ንተመረፅቲ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ መብርሂ ብመሃብ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽብሩ ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ቆንስላ ጀነራል ፌዴሪኢ ኣብ ሚኒሶታ ኣምባሳደር ዓብዱላዚዝ መሓመድ፥ ኣብ ሚድዌስት ሚኒሶታ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ ፕሮጀክታትን እዋናዊ ፃውዒታትን ልዑል ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ሰብ ውዕለታ ሃገር ምዃኖም ምርግጋፆም ፀሪሖም፡፡

ሚኒሰትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብግደአን፥ ዳያስፖራ እናገበሮ ዝርከብ ዝበረታታዕ ምንቅስቓስ ብምምስጋን፤ እቲ ዳያስፖራ ካብ እዋናዊ ኣፈላላይ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ኣድሂቡ ንኽሰርሕ ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.