Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማራቶን ሙምባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ህንዲ ዝተኻየደ ማራቶን ሙምባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዑዎም።

ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን፡፡

ኣትሌት ኣንቺኣለም ሃይማኖት 2 ሰዓት 24 ደቒቕን 15 ሰከንድን ብምእታው ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ፡፡

ኣትሌት ረሂማ ቱሳን ኣትሌት ለተብርሃን ሃይላይን 2ይን 3ይን ደረጃን ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 32 ሰከንድን ብምእታው ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ስዒሩ፡፡

ኬንያዊዊ ኣትሌት ፊልሞን ሮኖ 2ይ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሃይሉ ዘውዱ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.